ማሕበር “ኡ ኣ ኤፍ” (UAF) ብፍሉይ ንዝደተኛታት ተማሃሮን ሰብ ሞያን ዝሕግዝ ማሕበር እዩ።

ንሕና ምስ ናይ ትምህርቲ ትካላት፡ ኩባንያታትን ምምሕዳራትን ብሓባር ንሰርሕ።ማሕበር “ኡ ኣ ኤፍ” (UAF) እዞም ዝስዕቡ ነገራት ይህብ:

  • ምኽሪ ብዛዕባ ናይ ቋንቋ ኣብይተ-ትምህርቲ።
  • ምኽርን ምእላይን ኣብ ምምራጽ ትምህርትን ምቅርራብ ትምህርትን።
  • ምኽርን ምእላይን ኣብ ግዜ ትምህርቲ (ኤም ቤ ኦ/ሃ ቤ ኦ/ፌ ኦ) (mbo/hbo/wo)።
  • ምኽርን ምእላይን ኣብ ናይ ትምህርታዊ ስራሕ። እዚ ትምህርትን ስራሕን ዝተሓዋወሰ ማለት እዩ።
  • ምኽርን ምእላይን ኣብ ምርካብ ስራሕ።
  • ሓገዝ ኣብ ምቅርራብ ናይ ሕምና ገምጋም (ብፍሉይ ንሰብ ሞያ ጥዕና)።
  • ንምምሃር ዘድሊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ።
  • ሜኒቶሪንግ። ሜንቶር ማለት፡ ናዓኻ ዝሕግዝ ወለንተኛ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቋንቋ፡ ናይ መርበብካ ዓንኬል ኣብ ምስፋሕ እንተላይ/ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ ዝተሓባበር።

ንዓኻ ንኽንሕግዘካ እንተኾንና ግን፡ ሓደ ሓደ ረቛሒታት ከተማልእ ኣለካ። ነዞም ረቛሒታት ተማልእ እንተኾንካ፡ ኣብ ማሕበር “ኡ ኣ ኤፍ” (UAF) ክትምዝገብ ትኽእል።

ንኹሎም ረቛሒታት ኣማሊእካ እንከለኻ’ውን፡ ክንሕግዘካ ዘይንኽእለሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ እቶም ንሕና ንሕግዞም ጉጅለ ዘይትምደብ እነተኾንካ’ውን፡ ንኸይንሕግዘካ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት፡ ባዕልኻ ስጉምትታት ክትወስድ መታን፡ ምኽሪ ብምሃብ ብዘተኻእለ መጠን ንተሓባበረካ።

ስደተኛ ወይ ክኢላ ስለ ዝዀንካ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ሓገዝ ደሊኻዶ ? ሓበሬታንምርካብን ንምኽርን 030 – 2520835 ደዊልካ።

ነቶም ናይ ቋንቋ ረቛሒታት (ገና) ኣየማላእካዮምን ኣለኻ? ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ምኽርታት ተወከስ።

ናይ ኩሉ ፈለማ ቋንቋ እዩ! ቋንቋ፡ ይዕሩኽቲ ንምጥራይ፡ ዓንኪል መርበብ ንምዝርጋሕ ከምኡ’ውን ትምህርቲ ወይ ስራሕ ንምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ስዒቡ፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምልምማድ ዘኽእሉ ምኽርታት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ናብ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ፡ እንታይ ዓይነት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክትወስድ ከምትኽእል ሓበሬታ ርኸብ።

ናይ ቋንቋ ምኽርታት

  • ብመገዲ oefenen.nl  ከምኡ’ውን ERK Nederlands ኣቢልካ፡ ቋንቋ ኔዘርላንድ ተለማመድ።
  • ናይ ቋንቋ ብጻይ ድለ! ናብ ገጽ መርበብ Het Begint met Taal ብምኻድ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ወለንተኛታት ትካል ኣናዲ።
  • ናይ ወለንታ ዕዮ ስራሕ! ንኣብነት ብመንገዲ Nederland Cares (ኡትረኽት)፡ vrijwilligers vacaturebankhet VCA (ኣምስተርዳም) ወይ ድማ ብመንገዲ ኣብ ቦታኻ ዝርከብ ማእከል ወለንተኛታት።
  • ምስ ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝዛረቡ ሰባት ርክብ እንዳገበርካ ብዝተኻእለ መጠን ብቋንቋ ኔዘርላንድ ተዛረብ።
  • ብዛዕባ Staatsexamen programma 1 en 2 ሓበሬታ ኣናዲ።
  • ብዛዕባ (ኢንበርኸሪንግ) inburgeren ሓበሬታ ስነቕ።
  • ብመንገዲ ገጽ መርበብ ናይ Net in Nederland ኣቢልካ፡ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፡ ኢንግሊዘኛን ዓረብኛን ብጽሑፍ ዝተሰነዩ ናይ ኔዘርላንድ መደባት ቴሌቭዥን ተኸታተል።
  • ካብ ቤተ-መጽሓፍቲ፡ ብናጻ luisterboeken ናይ ድምጺ መጽሓፍቲ ኣራግፍ።
  • ኣብ “ታል ሃውስ” (Taalhuis)፡ ዝተፈላለያ ዞባውያን ትካላት፡ ንሰባት ኣብ ቋንቋ፡ ሕሳብ ወይ ድማ ከም ኣጠቓቕማ ኮምፒተር ዝኣመሰሉ ዲጂታላዊ ክእለታት ንምሕጋዝ ብሓንሳብ ይሰርሓ። ኣብ ከባቢኻ፡ “ታል ሃውስ” (Taalhuis) ኣናዲ።
  • “ፍዩቸር ለርን” (Future Learn)፡ ብሓልዮት ዩኒቨርስቲ ኽሮኒንገን ዝዳሎ፡ free online Dutch language course እዩ።  እዚ፡ ናይ ሰለስተ ሳምንታት ስልጠና ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወቕቲ ናይ ምሉእ ዓመት ዝጅምር ስልጠና እዩ። ኣብ’ዚ ስልጥና፡ ብዛዕባ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ሓረጋት፡ ሰላምታ፡ ቃላት፡ ቁጽርታት፡ ኣጸሓሕፋ (ስፐሊንግ) ከምኡ ድማ ሰዋስው ትመሃር።
  • “ድዎሊንጎ” (Duolingo)
    ኣብ’ዚ ናጻ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ መደብ፡ ኣብ ደስ ዝበለካ እዋን ብምምዝጋብ ብናይ ባዕልኻ ረምታ (ፍጥነት) ከተጽንዕ ትኽእል። እዚ መደብ፡ ኣብ ተንቃሳቓሲ ቴሌፎን ወይ ታብለት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትመርጽ ትኽእል። ንዓኻ፡ ነቲ ናይ ኢንግሊዘኛ-ኔዘርላንድ ስልጠና ክትወስድ ነማኽረካ። 
  • “ባብል” (Babbel)
    ብሓልዮት ሕብረት ኤውሮጳ ዝዳሎ ናጻ ናይ ኢንግሊዘኛ-ኔዘርላንድ ስልጠና። 
  • “ለርን ዳች ዳት ኦርግ” (Learn Dutch.org)
    እዚ፡ ብኢንተርነት ዝወሃብ ናጻ ናይ ቋንቋ ስልጠና ኮይኑ፡ ብፊልምታት ዘተሰነየን ኣብ’ቶም ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ዝያዳ ብብዝሒ ንጥቀመሎም 1000 ቃላት ምርኩስ ዝገበረ እዩ።  ንቃላትን ስዋስውን ዝምልከቱ ካልኦት ስልጠናታት ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ባእታታት ናይ ባህልን ሕብረተሰብን ኔዘርላንድን ትመሃር።     
  • ሰዋስው ቋንቋ ኔዘርላንድ
    ኣብ ገጽ መርበብ www.dutchgrammar.org ኣቲኻ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብዛዕባ ሰዋስው ቋንቋ ኔዘርላንድ ዝተዳለወ ናይ “ፔ ዴ ኤፍ” (pdf) ፋይል ከተራግፍ ትኽእል።